መደብ ምክልኻል ግጭት ስድራቤት
መግለጺ መደብ
እቲ መደብ ንስድራቤታዊ፣ ዘቤታዊ፣ ጾታ መሰረት ዝገበረን/ወይ ናይ ቀረባ መጻምድቲ ዓመጽ፣ ናይ ዝምድና ጸገማት፣ ግህሰትን ስንባደን ዘጋጥመን ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮን ስድራቤተንን ሞያዊ፣ ባህላዊ-ተሃዋሲ ምኽሪ ይህብ።
ዝርዝር መደብ
- ብባህሊ- ተሃዋሲ ውልቃዊ፣ መጻምድትን ስድራቤታዊ ምኽሪ
- ስምዒታዊ ደገፍ ንዓማዊል
- ዓውደ መጽናዕትታትን ደገፍቲ ጉጅለታትን
- ሪፈራልን ምጉስጓስን ሃፍቲ ማሕበረሰብ
- ህጹጽ ደገፍ ኣባይቲ
ብቑዓት ዓማዊል
እቲ መደብ ንኹለን ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮን ስድራቤተንን፡ እንተላይ ነተን ዜጋታት ካናዳ ዝኾና እየን።
ተወሳኺ ሓበሬታ መደብ
- እቲ መደብ ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ፡ ንመጻምድተንን ስድራቤተንን ይሕግዝ
- ኣብ ጉዳያት ስድራቤታዊ ግጭትን ዘቤታዊ ዓመጽን ባህላዊ-ተሃዋሲ ሓገዝ ንህብ
- ዓማዊል ኣድላዪ እንተኾይኑ ብቐዳማይ ቋንቋኦም ደገፍ ይረኽቡ
- ናብ ካልኦት ፕሮግራማት CIWA ሪፈራል ምግባር ዓማዊል ተወሳኺ ናይ ደገፍ ኣገልግሎታት ንኽረኽቡ ይሕግዞም
- ዓማዊልን መሻርኽቶምን ብኣተዓባብያን ርእሰ-ምትእምማንን ደገፍ ይረኽቡ
- እቲ መደብ ኣብ ማሕበረሰባዊ ቦታታት እዩ ዝቐርብ
- ምስጢር ዓሚል ኩሉ ግዜ ይሕሎ
- ክንክን ህጻናት ኣሎ (ገደባት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም)
- ናይ ቀዳማይ ቋንቋ ደገፍ ኣሎ።
ምሸት ወይ ኣብ ሰሙን መወዳእታ ሓገዝ ምስ እትደልዩ ብኽብረትኩም ደውሉ፤
- Distress Centre (403) 266-4357
- Calgary Women’s Emergency Shelter (403) 234-7233
- Sheriff King Home (403) 266-0707
- Calgary Police Service Non-Emergency (403) 266-1234
- Calgary Police Emergency Services 911
ንዝያዳ ሓበሬታ ብኢመይል ክትጽሕፉ ትኽእሉ ኢኹም።: familycounselling@ciwa-online.com
ብ ዝምወል፤

